ጊምባል (Gimbal) ተንቀሳቃሲ ስእሊ ወይ ቪድዮ ክንቐርጽ ከለና፡ እቲ ስእሊ ከይተንቀጥቀጠ ርጉእ ንክኸውን ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ። ዘመናዊ ጊምባላት ድማ ምስ ካሜራ ወይ ሞባይል ብገመድ ዘይኮነስ ብብሉቱዝ (Bluetooth) ክተኣሳሰሩ ይኽእሉ እዮም።
ስለምንታይ ብሉቱዝ ንጥቀም
ቀሊል ምቁጽጻር፡---- ካብቲ ጊምባል ከይተንከፍና፡ ብቐጥታ ካብቲ ናይ ጊምባል መቆጻጸሪ (buttons) ጌርና ቪድዮ ክንጅምር (Record) ወይ ፎቶ ክንልዕል (Shutter) የኽእለና።
ዙም (Zoom) ንምግባር፡ ----ብዙሓት ጊምባላት ብብሉቱዝ ተጠቒመን ንካሜራ ዙም ንክንገብር የኽእላና። ናጽነት ምንቅስቃስ፡ ----ዝኾነ ዝተሓባበል ገመድ ስለዘየለ፡ ንምንቅስቃስ ጊምባል ኣየጸግምን እዩ።
ከመይ ጌርና ነተኣሳስሮ? (Steps) ብሉቱዝ ምውላዕ፡ ኣብ ክልቲኡ መሳርሒታት (ጊምባልን ካሜራን/ሞባይልን) ብሉቱዝ ኣክቲቭ ምዃኑ ምርግጋጽ። ፓይሪንግ (Pairing) ምግባር፡ ካብ ካሜራ ዘሎ ብሉትዝ "Search Device" ብምባል ነቲ ጊምባል ትመርጽዎ።
መወዳእታ (Confirmation)፦ ኣብ ስክሪን ካሜራኹም ወይ ሞባይልኩም "Pair" ወይ "Connect" ዝብል ምልክት ምስ መጸ "Yes" ኢልኩም ተረጋግጽዎ። ዚኮ-ኣካደሚ